
ወርሒ፡ ኣብቲ ናይ ሓደ ወርሒ ጕዕዞኣ፡ ነቶም ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት (ቀጻሊ ዘይኮነ) እንርእዮም፣ ኣሕዋት እኖና ዓለም ዝኾኑ ፕላኔታት፡ ብፍላይ ቬኑስ፡ ሓውሲ ኣጐልብብ፡ ወይ ቅርብ ኢላ ክትሓልፍ ከላ፣ ዚህብ ተምሳጥ፣ ንተዓዘብቲ ሰማይ እገድፈሎም።
ምሕዝነት ቬኑስን ወርሕን፡ ኣብ ጕዕዞኣቶም፡ እንተ ኣብ ምዕራብ ጸሓይ፡ (እቲ ኮኸብ ድራር ኪብሃል ከሎ) ወይ ድማ ቅድሚ ምብራቕ ጸሓይ፡ (እቲ ኮኸብ ጽባ’ሕ ኪኸውን ከሎ) ንዘስተብሃለስ ዳርጋ ኣብ ወወርሒ ልሙድ’ዩ።