• Icon 02

  • Icon 03

  • Icon 04

  • ur
  • wikipedia

Skriv ut

on .

ሓዲሽ መጽሓፍ

"ጕዕዞ ወዲ-40ታት ን70 ዓመታት"

Adis-bok

እዚ መጽሓፍ'ዚ፡ ብመልክዕ ልቢ-ወለድን ተራኺ-ድርሰት ሓቃዊ-ታሪኽን ዝተዳለወ ኢዩ።
ዝርጋሐ ግዜኡ፡ ካብ 40ታት ክሳዕ ዘለናዮ እዋን፤ ታሪኹ ብዝያዳ ናብ ወዲ-40ታት ዘድሃበ፤ ብተመክሮ እዚ ኣብ ምሕላፍ ዚርከብ ትውልዲ ኣቢሉ ድማ፣ ነቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ወለዱ፡ መነባብሮኣቶምን ግብራቶምን ባህርያቶምን ኪገልጽ ይፍትን።

 

ካብኡ ሓሊፉ፡ ብኣኣቶም ኣቢሉ'ውን፡ ንሕብረተ-ሰብና፡ ባህልና፡ ታሪኽና፡ ዝተሓልፉ መድረኻት መግዛእትታትን ይገልጽ።

እቲ ዕላሉ ባህርያት ጸሓፊኡ፡ ኣዝዮም ዝተፋላለዩ ኣርእስትታት ብምልዓል ኣብ ምዝንታዉ ይርአ፤ ጕዳም ጠባያቱ ድማ ኣብኡ ይግለጽ። እንተዀነ፡ እቲ በዚ መጽሓፍ'ዚ ብዛዕባኡ ዚዝንተው ንመብዛሕትኦም ደቂ ሃገርና፡ ብፍላይ ድማ መዛኑኡ እውን ይውክል'ዩ።

እዚ መጽሓፍ'ዚ፡ ብዘይካ እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተገልጹ፣ ንስርዓት ሰዋስውን ኣገባብ ስነ-ጽሑፍን፡ ተኽእሎ ዝተፈላለዩ ጽሑፋት ምቕራብን፡ ኣብ ልዕል ዝበለ ደረጃ ንዘለዉ ተመሃሮ ቋንቋ፣ መወከሲ ኪኸውን ይኽእል ተባሂሉ እውን ይግመት።
(ዓቐን፡ 416 ገጻት፡ A5)

Bokens titel: Guzo wedi-40tat n 70 ametat.
Författare: Adi Ghebre
Format: A5 (416 sidor)