Till Tema modersmål

Tema modersmål - tigrinya

ኣኼባ ቋንቋ ኣደ - ትግርኛ

Print

ብዕለት 28-10-2009 ኣኼባ መምህራን ቋንቋ ኣደ ትግርኛ ተኻይዱ።
ጸብጻብ ብሓጺር ቀጺልኩም ንበቡ

ሓበሬታ!

እዚ ጸብጻብ እዚ፡ ናይ'ቲ ብገለ ኣባላት መምህራን ቋንቋ ኣደ ትግርኛ ጥራይ፡ ዝተገብረ ኣኼባ ደኣ እምበር፣ ኣኼባ ኵሎም መምህራን ትግርኛ ከም ዘይነበረን እቶም ዝበዝሑ ኣባላት መምህራን ስቶክሆልም ይኹን ኣባላት ናይ ካልኦት ኮሙናት ከም ዘይተኻፈሉዎን ክንሕብር ንፈቱ።

 

 

ሓጺር ሓበሬታ ውጽኢት ኣኼባ

ቋንቋ’ደ ትግርኛ

ብዕለት 28 10 09 ኣብ ስቶክሆልምን ከባቢኡን ዝሰርሑ መምህራን ቋንቋ’ደ ትግርኛ ኣኼባ ተኻይዱ። መደብ ኣኼባ ብመሰረት ዕለት 3ን 4ን መስከረም ዝተዋህበ ኣስተምህሮ: ገምጋም ምክያድን ካልእ ምስ መደብ ስራሓትና ዝተኣሳሰሩ፣ ኣገደስቲ ዛዕባታትትን ተዘትዩሉ። ጽማቝ’ቶም ዝተዘተየሎምን ዝሓለፉ ውሳኔታት ከኣ እንሆ፦

 

1. ገምጋም ዕለት 3ን 4ን መስከረም ብዶ/ር ስብሃቱ ዝተዋህበ ኣስተምህሮ:


ዶ/ር ስብሃቱ ካብ ዝተኸዘነ ሰፊሕ ፍልጠቱ ብምቝሉልነት ዝተለገሰ

ኣስተምህሮኡ ልዑል ክብርን ኣድናቖትን ተዋሂብዎን። ካብዚ ኣስተምህሮ’ዚ ከም መምህራንን ተጠቀምቲ ናይ’ዚ ቋንቋ’ዝን ብዙሕ ዝተረፈን ዝያዳ ክግበሩ ዝግብኦም መጽናዕቲታት ከምዘሎው ውን ተገምጊሙ።

ነቲ ሰፊሕ ፍልጠት ናይ ዶ/ር ስብሃቱ ከም “ከም ኣብ ውሽጢ ዕትሮ ዝበርህ መብራህቲ” በይናዊ /ውልቀ ስራሕ/ ኰይኑ ዘሎ: ናብ ሓባራውን ዝተውሃሃደን /Standard/ ብዝዀነ ኣገባብ ንምትሓዙ: ምስ ዝምልከቶም ትካላት መንግስቲ ኤርትራ፣ ብስነ ቋንቋ ምሁራት፣ ሞያውያንን ደረስትን ብምልዛብ መጽናዕቲ ክካየደሉ ከምዘድሊ፣ ንዝተማእከለን ዝተወሃሃደን ሓባራዊ ውጽኢት ንምርካብ ከኣ ገና ዝዓበየ ጻዕሪ ዝሓት ምኻኑ ተገምጊሙ።

 

ንምቕጻል’ቲ “ዝተረፈ ኣስተምህሮ” ብዘርኢ ከኣ: ሕጽረት ግዜ ኣብ ግምት ብምእታው: ብቐዳምነት ነቶም ሓፈሻዊ መደብ ስርሓት ትምህርቲ: ንዝተውሃ ሃደ ኣገባብ ኣሰራርሓ: ብሓባር ንምስራሕ ንምምዳብ ክንጥቀመሉ ተወሲኑ።

 

1. ብመሰረት ስርዓተ-ትምህርቲ ቋንቋ’ደ: ንቕድመ ትምህርትን/መዋዕለ-ህጻናት: መደባዊ ትምህርቲ /ካብ 1ይ ክፍል ክሳብ ጅምናዝዩ/ በብደረጅኡ ብዝምልክት፦

 


ብመሰረት ዝቐረበ ሓበሬታ: ድሕሪ ምዝታይን፦

 ነቶም ዘለዉና እንጥቀመሎም መምሃሪ ንዋት፣ ናይ መመርመሪ ሰነዳትን

 ካልእን ክሳብ ዝመጽእ ዘሎ ኣኼባና ክንእክብ። ነዚ ናይ ምእካብ ሓላፍነት ዝወስዱ መምህራን ከኣ፦

1. ሶልና- መድሃኔ፣ሙሴ፣ሰላማዊት

2. ሱንድቢበርግ - ገብረሂወት፣ ንግስቲ፣መድሃኔ

3. ስቶክሆልም - ምንያ፣ ኪዳነ፣ ኣስገደ

4. ቡሽርካ - ዮውሃንስ፣ ዮሴፍ

5. ሶሎንቱና - ዮውሃንስ

6. የርፈላ/ኡፕላንድስ-ብሩ - ጠዓመ

 

መደብ ግዕዝ ፕሮግራም ”ግዕዝ ዩኒቨርሲቲ” በጺሕዎ ዘሎ ምዕባሌ ብዝምልከት: ብኣቶ ኣብረሃብም ሓበሬታ ኣርኣያ ቀሪቡ፣ ነቲ ናይ ግዕዝ-ፕሮግራም ዘሎ ጸገማት ንምፍታሕ ንዘሎ ተኽእሎ ውን ገሊጹ። ብጭቡጥ ከኣ ብፕሮጀክተር ዝተሰነየ ምዕቡል ትሕዝቶ ዘለዎ ኣርእዩ።

 

ንተበጺሑ ዘሎ ምዕባሌ: ከም ጸጋና ተወሲዱ። ነዚ ዕድል’ዚ ከኣ ናብ ስርሓትና፣ መርበብ ሓበሬታ ትግርኛ፣ ምስ ምዕባሌ ቋንቋታት ዓለምና ብሓባር ንኸይንሳለ ዝዓግተና ዘሎ ጸገማት ኰነ ነቲ ምስ ተመሃሮናን ወለድን ተሓባቢ ርካ ንምስራሕ ዝፈጥረልና ሽግር ንምፍታሕን: ዓቢ ግደ ከም ዘለዎ ብምግንዛብ ንሕና መምህራን ምስ ዝምልከቶም ናይ ትምህርቲ ትካላት ሓለፍቲ/Skolverket/ ብምርኻብ ፍታሕ ንኽርከበሉ ዕቱብ ጻዕርታት ኪካየድ ከምዘለዎ ተሰማሚዕና።

 

መርበብ ሓበሬታ ኣብ ቴማ ቋንቋ’ደ ትግርኛ /Tema modersmål tigrinya/ ነቲ ዘሎ ናይ መደብ ትግርኛ ዝሓለፈ ዓመት ከምቲ ዝድለ ብቑዕ ከምዘይነበረ ተገምጊሙ። ሓደ ካብቲ መሰረታዊ ጸገማት’ውን ከምቲ ኣብ ላዕሊ ቍ.3 ተገሊጹ ዘሎ ከምዝዀነ ኵልና ዝተሰማማዕናሉ’ዩ። ይኹን እምበር፦

 

ኣብ ተክኒካዊ ኣሰራርሓ ዘሎ ጕድለታት: ኣብ ዝተወሰኑ መምህራን ተሓጺሩ ብምጽንሑ: ክእለት ዘለዎም’ውን ግዲኦም ዘይምውፋይን ድኽመታት ከምዝነበረ ተገምጊሙ። ንብድሕሪ ሕጂ’ውን ናብ ዝሓለፈ ድኽመታትና ከይድሃብና: ኣብ ቅድሜና ዝጽበየና ዘሎ ሓላፍነት ኣድሂብና: ንሞያዊ ስራ ሕናን ምዕባሌ ቋንቋናን ግቡእና ክንፍጽም ከምዘሎና: ነቶም ንመጻኢ ነዚ ሞያዚ ዝትክኡ ባይታ ንኸነጣጥሕ ክንጽዕር ከምዝግበኣና ቃል ተኣታቲና።

 

ኣብ ትሕዝቶን ኣበርክቶ ነቲ መርበብ ዝቐርብ’ውን ኣብ ክንዲ በቶም ብስራሕ ዝተመደሙ ተወሲኑ ዝዳሎን ዝፍኖን: ኣቐዲሙ ሓባራዊ ምስንዳእ ኰነ ምምማይን ተገይሩ: ብድሕሪ’ዚ ብዝምልከቶም ምዱባት ፈነውቲ /ልኣኽቲ ኣብ ‘’መርበብ ሓበሬታ ትግርኛ’’ ክሰፍር ይግባእ ዝብል ሓሳባት ቀሪቡ። ነዚ’ውን ብሃናጺ ዝዀነ ምይይጥ ተኻይዱ። ብመምህር ምንያ ከም ወካሊት ናይ ‘’መርበብ ሓበሬታ ትግርኛ’’ እቲ ዝሓለፈ ዓመት ዝነበረ ጸገማት ካብ’ቶም ነቲ መርበብ ዘዳልዉ መምህራን ዘይኰነስ እቲ ዝነበረ መዋሊ ኣካል (myndigheten för skolutveckling) ፈሪሱ ኣብ ወኪል ሃገራዊ ትምህርቲ (skolverket) ስለ ዝተጸንበረ መርበብና ጥራይ ዘይኰነስ መርበብ ናይ ኵለን ቋንቋታት ኣደ ኣብ ጸገም ከም ዝጸንሐ ገሊጻ። ነቲ ዝቐረበ ሓሳባት ብምድጋፍ ከኣ ናይ ነፍሲ ወከፍ መምህር: ኣበርክቶን ተወፋይነትን ክህሉ ኣተሓሳሲባ። ኣብ መደምደምታ ከኣ ተሓባቢርና ክንሰርሕን ከክእለትና ከነበርክትን ተሰማሚዕና።

 

ኣብ መዛዘሚ ኣኼባና ነፍሲ ወከፍና ነቲ ኵሉ ዝዘተናሉ ብዕቱብ ክንሰርሓሉን ነቶም ሎሚ ኣብዚ ኣኼባ ዘይተረኽቡ ብጾትና መምህራን ክንሕብሮምን ብሓባር ተጊህና ክንሰርሓሉን ቃል ድሕሪ ምእታው: ንቐጻሊ ሓፈሻዊ ኣኼባና/ዛዕባና/ ንወርሒ ጥሪ ዕለት 22 01 2010 መዲብና።

 

ብሰላም የራኽበና!

ሽማግለ ቋንቋ’ደ መምህራን

ነቲ ዝተገብረ ኣኬባ ዜርኢ ስእልታት

tkbild1w

tkbild7w

 

 

tkbild3wtkbild9w

tkbild13wtkbild10w

tkbild2w

tkbild12w

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

Download

geezmahtemfont



Ladda ner fonten för att kunna läsa texten


keyboard
Online Keyboard


እዚ ንፈተነ ጥራይ ኢዩ። ኣብ ቀረባ ተኣሪሙ ኪቐርብ ኢዩ።

bildtema-ikon
Bildtema



tigrinya_abc
Alfabet