Till Tema modersmål

Tema modersmål - tigrinya

እስክንድር ፑሽኪን መን'ዩ?

Print

እስክንድር ፑሽኪን መን'ዩ?

pushkin1

ኣብ ሞስኮብ ብ1799 ተወሊዱ፡ ኣብ ሰይንት ፒተርስቡርግ ብ1837 ዝሞተ፣ እቲ ኣብ ሩስያ ዝዓበየን ኣዝዩ ዝተፈትወን ደራሳይን ገጣማይን ኢዩ። እቲ ቦሪስ ጎዱኖቭ ዝተባህለ ድራማ፡ ፑሽኪን ብ1825 ዝደረሶ'ዩ። በዅሪ ውላድ እታ ስድራ ኰይኑ፡ ሓደ ኣዝዩ ዚሕበነሉ ታሪኽ ወለዶ ነይሩዎ። እዚ ድማ፡ እታ ኣዝያ ጽብቕቲ ኣደኡ፡ ጓል ወዱ ንሓደ ጸሊም ኣፍሪቃዊ ብምንባራ'ዩ።


ኣቦሓጎኣ ማለት ኣብራሃም፡ ካብ ኤርትራ ብቱርካዊያን ከም ጅሆ ኢዩ ተወሲዱ። ከም ህያብ ከኣ ንጴትሮስ ዓቢ ዝተባህለ ንጉስ ተዋህበ። ኣብ ቤት እቲ ንጉስ ከኣ ከም ውሉዱ ኰይኑ ዝዓበየ ነበረ። ኣብ ወተሃደራዊ ሓይሊ እታ ሃገር፡ ሓደ ዓቢ መሃንድስ ኰይኑ፣ ኣብቲ ሕብረተ-ሰብ፡ ምስ ልዕል ዝበሉ ስድራ ተዋሲቡ፣ ብዙሓት ወለደ።

እስክንድር ፑሽኪን ድሮ ኣብ 14 ዓመቱ መስተንክር ዝነበረ ደራሳይ ኢዩ። ነቲ ሃናጺ ተውህቦኡን፡ ዘይግታእ ባህርያቱን ጥዑይ ኣእምሮኡን፡ ኣፍሪቃዊ ደሙ ዓቢ ኣበርክቶ ከም ዝገበረሉ ድማ ኣትሪሩ ይዛረብ ነበረ።

ገና ወዲ 12 ዓመት እንከሎ፡ ኣብቲ ሊሰ ዝተባህለ ክቡርን ልዑልን ኣካደሚ ተመዝጊቡ፣ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ናይ ጽሑፍ ተሳትፎኡ ገበረ። ሓደ ካብ'ቶም ዝቐረቡ ኣማኸርቱን ኣብነቱን፡ እቲ ከም ኣብነታዊ ኣቦ ዚርእዮ ዝነበረ ኒኮላይ ካራምዚን (1766-1826) ነበረ። ፑሽኪን ካብ ቤት ትምህርቱ ምስ ተመረቐ፡ ድሕሪ ክልተ ዓመት ሓደ ኣናዓቢ ግጥሚ ጽሒፍካ ተባሂሉ፡ ብትእዛዝ ጻር እስክንድር ቀዳማይ ተኣሲሩ፣ ኣብ ትሕቲ ወተሃደራዊ ምቍጽጻር ናብ ደቡባዊ ሩስያ ተወስደ።

ብ1824 ድማ፡ ቅሉዕ (ጥንቃቐ ዘይብሉ) ርእይቶ ብዛዕባ ኣተይዝም ጽሒፍካ ናብ ዓርክኻ ልኢኽካ ተባሂሉ ብምኽሳስ፡ ንኻልኣይ ግዜኡ ተኣስረ። ኣብዚ እዋን ጽምዋ'ዚ ኢዩ ድማ፡ ፑሽኪን 'ቦሪስ ጎዱኖቭ' ዝጸሓፈ።

ኒኮላስ ቀዳማይ፡ ጻር ምስ ኰነ፣ ንፑሽኪን ምሒሩዎ፣ ፑሽኪን'ውን ድራማኡ ለውጢ ኪግበረሉ ድሕሪ ምስምማዑ፣ እቲ ንሽዱሽተ ዓመታት ተኸልኪሉ ዝነበረ 'ቦሪስ ጎዱኖቭ' ድሕሪ ብዙሕ ምቍርራጽ ናብ ህዝቢ ኪቐርብ ተፈቕደሉ። ብዝዀነ፡ ዳሕረዎት ዓመታት ህይወቱ ብሰሪ ሰበይቱን ብዝሒ ውላድን ጸገም ዝመልአን ነበራ።

pushkin2dec

ፑሽኪን ኤርትራዊ!
እዚ ፑሽኪን እዚ'ዩ እምበኣር፡ እቲ ኣብ'ዚ ቅንያት'ዚ ሓደ ዓቢ ሓወልቲ ኣብ ማእከል ኣስመራ፡ እታ ርእሲ ከተማ ሃገር ኣቦሓጎኡ፡ ተተኺሉሉ፣ ማእለያ ዘይብሉ ህዝቢ ኪምርቐሉን ኪዛረበሉን ቀንዩ ዘሎ። እዚ'ዩ እምበኣር እቲ ብኣፍሪቃዊ ደሙ ዚሕበን ዝነበረ ፑሽኪን፡ እቲ ዓቢ ደራሳይ፡ ኣብ ሃገሩ ኰይኑ ኪሕበን ምስ ምሉእ ኣካላቱን ጽቡቕ ቅርጹን መጽሓፍ ፍልጠቱን እንርእዮ ዘለና። ፑሽኪን ኤርትራዊ!

 

 

 

ወለዶ ፑሽኪን
ኣብርሃም፡ ን ኢቫንን ኦሲፕን ወለደ
ኦሲፕ፡ ን ናደዥዳ ወለደ
ናደዥዳ ን ሻምበል ፑሽኪን (ሩስያዊ) ተመርዕያ ን እስክንድር ፑሽኪን ወለደት
ፑሽኪን እምበኣር ን ኣብርሃም ኤርትራዊ፡ ወዲ ጓል ወዱ ኢዩ።

 

Download

geezmahtemfont



Ladda ner fonten för att kunna läsa texten


keyboard
Online Keyboard


እዚ ንፈተነ ጥራይ ኢዩ። ኣብ ቀረባ ተኣሪሙ ኪቐርብ ኢዩ።

bildtema-ikon
Bildtema



tigrinya_abc
Alfabet