Till Tema modersmål

Tema modersmål - tigrinya

ዓለም ለኻዊ መዓልቲ ቋንቋ ኣደ

Print

modersmalensdag2010

21 የካቲት ዓለም ለኻዊ መዓልቲ ቋንቋ ኣደ ኢዩ። እዚ መዓልቲ እዚ ብ1999 ብዩነስኮ (UNESCO) ዝተሓንጸጸ ኢዩ። ዕላማኡ፡ ኣብ ዓለም ምሉእ ዘሎ ሰብ ቋንቋኡ ኪጥቀምን ብቋንቋኡ ኪጥቀም ዕድል ኪረክብን ንምትብባዕ ኢዩ።


በዚ ምኽንያት፡ ኣብዛ መዓልቲ እዚኣ፡ ኣብ ዝተፈላልያ ሃገራት፡ ገለ ቋንቋታት ንኸይጠፍኣ ንምክልኻል፡ ብቛንቋ ኣደኻ ክትምሃር ምእንቲ ኪክኣልን ኣብ መንጎ ብዙሓት ባህልታት ምርድዳእ ኪህሉን ብዜመልክት ዝተፈላለየ መደባት ከቢሩ ይውዕል።

ኣብ ሽወደን’ውን ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ተመሃሮ ብዝተፈላለየ ፕሮግራማት ኬብዕሉዎ ጸኒሖም ኢዮም።

ሎሚ’ውን፡ መምህራን ቋንቋ ኣደ ምስ ተመሃሮኦም ኰይኖም ዘዳለዉዎ መደባት ምስ መጸና ኣብ መርበብ ኣስፊርና ከነቕርበልኩም ኢና።

!)]

 

Download

geezmahtemfont



Ladda ner fonten för att kunna läsa texten


keyboard
Online Keyboard


እዚ ንፈተነ ጥራይ ኢዩ። ኣብ ቀረባ ተኣሪሙ ኪቐርብ ኢዩ።

bildtema-ikon
Bildtema



tigrinya_abc
Alfabet