መሕትት

Skriv ut

on .

መምህር መብራህቱ ጊላጋብር

መምህር መብራህቱ፡ ኣብ ኣስመራ ናይ ዚርከብ ቤት ትምህርቲ ምስልጣን መምህራን ሓላፊ (ዲረክተር) ኢዩ።

ኣብ ዝተፈላለየ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ናይ 11 ክፍሊ ትምህርቱ ድሕሪ ምውድኡ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ በእደ ማርያም ኪቕጽል ተመሪጹ ምስ ተማህረ፡ ናብ ኤርትራ ተመሊሱ ንገለ እዋን ብምምህርና ሰሪሑ፡ ናብ ገድሉ ተሓወሰ። ኣብ ሜዳ'ውን ከም ኣሰልጣኒ መምህራን ኰይኑ ኣገልጊሉ'ዩ።

Skriv ut

on .

ቀኛ. ኣስፋሃ

ኣብ ዝሓለፈ ክረምቲ፡ ንመጽናዕቲ ናብ ኤርትራ ኬድና ኔርና። ኣብ ዝገበርናዮ መጽናዕቲ እቲ ኣውራ ዘተኰርናሉ፡ ትምህርትን ታሪኻዊ ቦታታትን ኢዩ። ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ኤርትራ ሓዲሽ ስርዓተ-ትምህርቲ ይወጽእ ኣሎ። ገና'ውን መጽናዕትታት ይገብሩ ኣለዉ። እዚ ሓዲሽ ካሪክለም ኣብ ግብሪ ውዒሉ ውጽኢቱ ምስ ተራእየ፡ ካልእ መጽናዕቲ ጌርና ጸብጻብ ከነቕርበልኩም ተስፋ ኣሎና። ሕጂ ግን ኣተኵሮና ኣብ ታሪኽ ትምህርቲ ኣብ ኤርትራ፡ ምድላው መምህራን ብሓፈሻ፡ ምድላው መምህራን ቋንቋ ኣደ ድማ ብፍላይ ኢዩ።

Skriv ut

on .

መምህር ገብረልዑል

መምህር ገብረልዑል

መምህር ገብረልዑል ወልደጽዮን ይብሃሉ።

ዕድሚኦም ካብ 85 ዓመት ዘይውሕድ ወላዲ ኢዮም።

ሓደ ካብ እቶም ቀዳሞት መምህራን ኤርትራውያን ኢዮም።

ምምህርና ዝጀመሩሉ ኣገባብ ኪገልጹ ከለዉ፡ ትምህርቲ ትግርኛ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝተጀመረሉ እዋን፡ ኪምህሩ ካብ ዝተመርጹ ሓደ ምንባሮም ይሕብሩ። ሽዑ መምህር ኪኸውን ዚኽእል፡ ምንባብን ምጽሓፍን ጥራይ ዚኽእል ሰብ ነበረ ይብሉ። ንሶም ድማ ኬንብቡን ኪጽሕፉን ይኽእሉ ነበሩ። ስለዚ ከም መምህር ተመርጹ።