ኣብ ዝሓለፈ ክረምቲ፡ ንመጽናዕቲ ናብ ኤርትራ ኬድና ኔርና። ኣብ ዝገበርናዮ መጽናዕቲ እቲ ኣውራ ዘተኰርናሉ፡ ትምህርትን ታሪኻዊ ቦታታትን ኢዩ። ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ኤርትራ ሓዲሽ ስርዓተ-ትምህርቲ ይወጽእ ኣሎ። ገና'ውን መጽናዕትታት ይገብሩ ኣለዉ። እዚ ሓዲሽ ካሪክለም ኣብ ግብሪ ውዒሉ ውጽኢቱ ምስ ተራእየ፡ ካልእ መጽናዕቲ ጌርና ጸብጻብ ከነቕርበልኩም ተስፋ ኣሎና። ሕጂ ግን ኣተኵሮና ኣብ ታሪኽ ትምህርቲ ኣብ ኤርትራ፡ ምድላው መምህራን ብሓፈሻ፡ ምድላው መምህራን ቋንቋ ኣደ ድማ ብፍላይ ኢዩ።
ንዘበገሰና ዕላማ ንምምላእ፡ ዝረኸብናዮምን ዘዘራረብናዮምን፡ ቀዳሞትን ዓበይትን መምህራን፡ ሓላፊ ምድላው መምህራን፡ ሓላፊ ምድላው መምህራን ቋንቋ ኣደ፡ ካብ ዳንማርክ ዝመጸ መምህር ፐዳጎጊን ሓደ ሓደ ተመሃሮ ምድላው መምህራንን ነበሩ። ጸብጻብና ከምዚ ዚስዕብ ይመስል፡-
ቀዳሞትን ዓበይትን መምህራን፡
መጀመርታ ዝረኸብናዮም ኣቦና ቀኛዝማት ኣስፍሃ ካሕሳይ ኢዮም። ኣቦይ ቀኛ. ብዛዕባ ገዛእ ርእሶም ብዙሕ ኣይዛረቡን። ግን ብዛዕባ ኣጀማምራ ትምህርቲ ኣብ ኤርትራ ምስ ሓተትናዮም ኣስፊሖም ገሊጾምልና።
"ኣነ እንግሊዝ ቅድሚ ምምጻኡ መምህር ኢየ ነይረ። ዝምህረሉ ዝነበርኩ ቋንቋ ግን ጣልያንኛ ኢዩ ነይሩ። ጥልያን ወጺኡ እንግሊዝ ምስ ኣተወ፡ ስሩዕ ትምህርቲ ኣብ ኤርትራ ብ1943 ተጀመረ እሞ፡ እቶም ሽዑ ዝነበርና መምህራን ብትግርኛ ክንምህር ተሓተትና።
ዋላ'ኳ ቋንቋና እንተዀነ፡ ብዘይካ ሓንቲ መጽሓፍ ፊደል ናይ ኣቶ ወልድኣብ ወልደ- ማርያም፡ ንመምሃሪ እንጥቀመሎም መጻሕፍቲ ስለ ዘይነበሩ፡ ናይ ክልተ ቕነ ቀጻሊ መጽናዕታዊ ኣኼባ ብምክያድ፡ ንግዚኡ ዜድልዩ መጻሕፍቲ ትግርኛ ኣዳሎና። ዓመት ዓመት ድማ፡ ምምሕያሽን ምቕራብ መጻሕፍትን ቀጸለ። ድልየት፡ ትብዓት፡ ፍቕሪ ሃገር ናይ መምህራን ኣዐዊቱና ኢዩ።
ኣብቲ እዋን'ቲ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ትምህርቲ ንምምሃር ዚጠቕሙና መጻሕፍቲ ኣብ ዝተርጐምናሉ ካብ ዘጋጠሙና ሽግራት፡ እቲ ዝበርትዐ ንኣምራት ዚገልጹ ቃላት ንምርካብ ነበረ። ንኣብነት፡ ኣብ ትምህርቲ ጆሜትሪ፡ ነቲ ሲሊንደር ዚብል ቃል፡ ድሕሪ ብዙሕ ክትዕ፡ መም. ይስሃቅ ተወልደመድህን ''ንግዚኡ መጉእ-መሰል እሞ ንበሎ፡ ዚመጽእ ወለዶ ዝሓሸ ስም ይሃቦ" ምስ በሉና፡ በዚ ተሰማማዕና። ክሳዕ ሕጂ'ውን ከምኡ ኢሉ ኣሎ።
ቀዳሞት መምህራን ኤርትራ 1943 ዓ.ም.
ብግዜ ጣልያን ኣብ ገጠራት ኤርትራ ኣብያተ ትምህርቲ ኣይነበረን። ትምህርቲ ደቅንስትዮ'ውን ኣይነበረን። ብግዜ እንግሊዝ'ዩ እቲ ዕድል ተረኺቡ። በቶም ኣብ መጀመርታ ዝነብሩ 30 ኣቢሎም መምህራን ድማ፡ ዝርጋሐ ኣብያተ ትምህርቲ ብዝተኻእለ መጠን ናብ ምሉእ ሃገር ተገብረ።
ነቶም ናይ ሽዑ መምህራን ኬመጕሱ ከለዉ፡ ቀኛ. ኣስፍሃ፡ "ናብራ ከተማ ከየሐንቀቖም፡ ናብ ገጠራት ብምኻድን ኣብኡ ብምቕማጥን፡ ምስ ምሉእ ሃገራዊ ኒሕ ደቂ ሃገሮም ዝመሃሩ መምህራን ብዙሕ አመስግኖም። ትግሃቶም፡ መንፍዓቶም፡ ሓቦኣቶምን ኣብ ፍቕሪ ሃገሮም ዝትመስረተ ነበረ" ይብሉ።
ብዘይካ'ዚ፡ ደጊምሲ ቋንቋ እንግሊዝ'ውን ክንምህር ስለ ዝነበረና፡ ንገዛእ ርእስና ክንምሃር ጀመርና። ምሸት ምሸት ዝተመሃርናየን ድማ፡ ንጽባሒቱ ንግሆ ንምህረለን ነበርና። ደረጃ ትምህርቲ ተመሃሮኦም እናውሰኸ በብዝኸደሉ፡ እቶም ንዓኣቶም ዚምህሩ መምህራን ፍልጠቶም ኬማዕብሉ ነይሩዎም። እቲ ካብ ኩሉ ዜደንቕ እምበኣር፡ ራብዓይ ክፍሊ ተማሂርካስ፡ ክሳብ ካልኣይ ደረጃ ክትምህር ምኽኣል'ዩ። ዜድንቕ ህዝቢ ኣሎና ይብሉ።
ንዳሕራይ ወለዶ ዘሎዎም ምዕዶን ለብዋን ምስ ሓትተናዮም፡ "ከምቲ ቀዳሞት ኤርትራውያን ዝጸዓቱዎ፡ ዝደኸሙዎ፡ እቲ ጸዓትን ቃልስን ቀጻሊ ኪኸውን ኣሎዎ" ይብሉ። "ሕጂ እፎይ ኢልካ ትምርአየሉን ተጋይጸሉን ዘይኮነ፡ ምዕባሌና ገና ኣብ ምጅምሩ ስለዘሎ፡ እዚ ዘሎ ትውልዲ ከይሓንቀቐ፡ ዚገብሮ ዘሎ ምግያጻት፡ ብፍላይ ከም ኣገባብ መርዓ ገዲፉ፡ ጻዕሪ ወለዱ ኪቕጽሎን፡ ሕድሪ ስዉኣቱ ኣብ መድረኹ ኬብጽሖን ኪምሃር፡ ኪስርሕ፡ ኪፈልጥ፡ ምዕብልቲ ሃገር ኪሃንጽ ኣሎዎ" ይብሉ። ሰብና፡ መንእሰያትና ኣጥፊእና ኢና። እቶም ዝተረፍና ክንሕንቅቕ የብልናን በሃሊ ኢዮም።

ለበዋኦም ኣብ ስደት ንዘለዉ ወለዲ፡-
"ኣብ ስደት ተቐሚጥኩም ንመምሃሪ ደቅኻትኩም ዚኸውን መጻሕፍቲ ትግርኛ ምድላውኩም፡ ብሓቂ እቲ ሓቦ ኤርትራዊ ኣብ ስደት'ውን ይቕጽል ኣሎ'ዩ! ዜብል'ዩ። ደቅኻትኩም ንቛንቋ ኣዲኦም ኬማዕብሉዎ ሓጋዚ ምእንቲ ኪኸውን ግዳ፡ ኣብ'ታ ምሳኻትኩም ዚራከቡላ እዋን (ኣብ ቤቶም) ብትግርኛ ከተዛርብዎም እላቦ" ኢሎም።
ካልኦት ሰባት ብዛዕባ ቀኛዝማት ኪዛረቡ ከለዉ፡-
"ኣስፍሃ ካሕሳይ መምህር ኰይኑ ንደቂ ሃገሩ ኪምህር፡ ብእዋኑ ትምኒት ዘሕደረ ሰብ'ዩ። ብ1942 ስሩዕ ትምህርቲ ኣብ ዝተመስረተሉ፡ ሓደ ካብ'ቶም ቀዳሞት ንምምህርና ኪዳለዉ ሰብ ጽቡቕ ፍቓድ ዝነበሩ ኢዩ። እናመሃረ ይምሃር ነበረ። ብሓለፍቲ ትምህርቲ ንዚውሃቦ ዝነበረ ሓበሬታታት ብቕኑዕ ልቢ ይቕበሎ ነበረ። ብኸምዚ ዝኣመሰለ ጽቡቕ ልምድን ቅኑዕ ድሌትን ብምስራሕ ድማ፡ ሓደ እተመስገነ መምህር ነበረ።
ዋላ'ኳ ዋሕዲ ክኢላታት ኣመሓደርቲ ብምንባሩ፡ ካብ ምምህርና ናብ ስራሕ ኢንስፐከተርነት ኣብ ከተማ ኣስመራ ኪሰርሕ እንተ ተገደደ፡ ናብ ገጠራት ብዘይ ምቍራጽ እናገሸ ቍጽጽሩ የካይድ ነበረ። ኣስፍሃ ንዕረፍቲ ዘይስስዕ ትጉህ ሰብ ኢዩ" ይብሉ።
ቀኛ. "መጽሓፍ ንባብን ኣስተዋጽኦ ፍልጠትን" ብ1944
"ዛንታ ህይወታውያን" ብ1949
ዝተባህላ መጻሕፍቲ ዘበርከቱ ዓቢ መምህር ኢዮም።
ነቦና ቀኛ. በቲ ዝሃቡና ሓበሬታን ሓደ ሓደ ኣገዳሲ ስእልታትን ብዙሕ ነመስግኖም።






