Till Tema modersmål

Tema modersmål - tigrinya

10ይ ጕባኤ መርበብ ቋንቋ ኣደ

Print

TemaMM01110ይ ጕባኤ መርበብ ቋንቋ ኣደ
መርበብ ቋንቋ ኣደ 10ይ ጕባኤኡ ብዕለት 8-9 መስከረም ኣብ ስኩክሎስተር (Skokloster) ዝተባህለ ቦታ ኣካዪዱ። እቲ ጕባኤ፡ ካብ ዝተፈላልዩ ቦታታት ሽወደንን ኖርወይን ተኻፊሎሞ።
መርበብ ቋንቋ ኣደ ኪጅምር ከሎ ብውሑዳት ቋንቋታት ኢዩ ተጀሚሩ። ሕጂ ግን ክሳብ 36 ዝዀና ቋንቋታት

ይጥቀማሉ ኣለዋ። ካብኡ ሓሊፉ፡ ኖርወይ እውን ኣሰር መርበብ ቋንቋ ኣደ ትስዕብ ኣላ፡ ንግዜኡ ብውሑዳት ቋንቋታት ጀሚሮሞ ኣለዉ። ቀልጢፉ ኪሰፍሕ ከኣ መደብ ኣሎዎም።

 

Mats2011

ኣብ'ዚ ጕባኤ'ዚ ብዙሕ ነጥብታት ተላዒሉ። ማትስ ቨነርሆልም ( Mats Wännerholm) ብዛዕባ መደብ ቤት ጽሕፈት ትምህርቲ፡(skolverket) ምወላ ብዚምልከት ቀጻሊ መደቡ ፍሉጥ ስለ ዘይኰነ፡ ቀጻሊ መደባት ኪሕንጸጽ ዘይምኽኣሉን ገለ ካልእን ሓበሬታ ሂቡ። እዚ ነቲ ጕባኤኛ ሓዲሽ ነጥቢ ኣይነበረን። ምኽንያቱ፡ ምወላ ኣብ ዘይነበረሉ እዋን፡ መብዛሕትና ብዘይ ገለ ክፍሊት ዝሰራሕናሉ ግዜ ነይሩ ኢዩ። ምወላ እንተ ሃለወ'ውን ኣዝዩ ውሑድ ኢዩ። ስለ'ዚ፡ ነቶም ኣዳለውቲ መርበብ ቋንቋ ኣደ፡ ኣዝዩ ዘገደሶም ምህላው እቲ መርበብ ደኣ'ምበር ብዛዕባ ምወላ ኣይነበረን።

ኣብ'ቲ ጕባኤ ዝተፈላለየ ኣስተምህሮታት ተዋሂቡ። ንኣብነት ካብ ንቑጽ ስእልታት ከመይ ጌርካ ፊልም ከም እትሰርሕ፡ ጥቕሚ ሓድሽ ፕሮግራም joomla ወዘተ።

ኣብ'ዛ ዕለት'ዚኣ ናይ መርበብ ቋንቋ ኣደ 10ይ ዓመት ተባዒሉ።ኣብ መወዳእታ ከኣ ብሓባር፡ ስኩክሎስተር ተባሂሉ ዚጽዋዕ፡ ናይ ቀደም ንጉስ ቤተመንግስቲ ዝነበረ፡ ሕጂ ግን ብመንግስቲ ዚውነን ቤተመዘክር ኰይኑ ዘሎ በጺሕና። ኣዝዩ ጽቡቕን ኪብጻሕ ዘሎዎን ቦታ ኢይ።

ጕባኤ ምስ ተዛዘመ ንዓመታ ብደሓን የራኽብና ተበሃሂልና ተፈላሊና።

 

TemaMM1013

 

 

Download

geezmahtemfont



Ladda ner fonten för att kunna läsa texten


keyboard
Online Keyboard


እዚ ንፈተነ ጥራይ ኢዩ። ኣብ ቀረባ ተኣሪሙ ኪቐርብ ኢዩ።

bildtema-ikon
Bildtema



tigrinya_abc
Alfabet