
ብዕለት 26 ሕዳር፡ መርበብ ቋንቋ-ኣደ ትግርኛ ጕባኤኡ ኣካዪዱ። ኣብ'ቲ ጕባኤ ብዛዕባ ህልውን መጻእን ኵነታት መርበብ ቋንቋ-ኣደ ትግርኛ፡ ኣስተምህሮን ሓበሬታን ካብ ወኪል ቤት ጽሕፈት ትምህርቲ ሽወደን ተዋሂቡ።
እቲ ጕባኤ፡ በዳለውቲ መርበብ፡ ናይ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም ቃል ምስ ተዋህበ፣ ወኪል ቤት ጽሕፈት ትምህርቲ ሽወደን፡ ማትስ ቨነርሆልም፡ ብዛዕባ ጥቕሚ መርበብ ቋንቋ ኣደን፡ ብኽንደይ ቋንቋታት ከም ዚዳሎን ሓበሬታ ሂቡ። ብድሕሪኡ ካብ ተኻፈልቲ ጕባኤ ንዝቐረበሉ ሕቶታት መሊሱ።ብድሕሪ'ዚ ኣዳለውቲ መርበብ፡ ኣዲ ገብረን ምንያ ጸጋይን፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ መርበብ ዘሎ ትሕዝቶ ድሕሪ ምግላጽ፡ ንዝቐረበሎም ሕቶታት ሰፊሕ መልሲ ሂቦም። ገለ ካብቲ ዝቐረበ ሕቶታት፡ ብዛዕባ ኣዳልዋ ትሕዝቶ'ቲ መርበብን መን ከም ዜዳልዎን ኢዩ ነይሩ።
ዝተዋህበ መልሲ፡- "እቲ ኪኸውን ዝነበሮ፡ ስራሓት ተመሃሮን ካልእን ካብ በጻሕቲ ኪመጽእ፤ ኣዳለውቲ ከኣ ኣብ መርበብ ኬስፍሩዎ ኢዩ ነይሩ። እቲ ሓቂ ግን፡ ኵሉ ኣብኡ ዘሎ ትሕዝቶ ኣዳለውቲ ባዕላቶም ዘዳለዉዎን ስራሓት ተመሃሮኦምን ኢዩ" ድሕሪ ምባል፣ ካብ ካልኦት ዝተላእከሎም ትሕዝቶታት ከምዘየሎ ገሊጾም።
ኣብ መወዳእታ፡ ኣዳለውቲ፡ ዕድመ ጡረታ ስለ ዝበጽሑ፡ ካልኦት ሓላፍነት ወሲዶም ኪቕበሉዎም ሓቲቶም። ማትስ ቨነርሆም ከኣ፡ ካብ ተኻፈልቲ ዚቕበል እንተ ዘይተረኽበ፣ ኣብ ምልክታ ኪዝርጋሕ ምዃኑ ሓቢሩ። ግን ኣብኡ ከይበጻሕና፡ ካብ ተኻፈልቲ ተገደስቲ ተረኺቦም፤ ተገዳስነቶም ገሊጾም። እቲ ስራሕ ንመን ከምዚውሃብ ብወካሊ ቤት ጽሕፈት ትምህርቲ ኪውሰን ኢዩ።
ድሕሪ ቀትሪ ኣስተምህሮ ብዛዕባ ትግርኛ፡ ብመምህር ኣዲ ገብረ ተዋሂቡ። እቲ ትሕዝቶ፡ "ኣየናይ'ዩ ቅኑዕ?" ንዚብል ሕቶ፡ መልሲ ንምሃብ ኢዩ ነይሩ። ዝርዝር ትሕዝቶኡ ኣብ ታሕቲ ንበቡ።
ዝተረፈ ድሕሪ ቀትሪ፡ ዝተፈላለዩ ሕቶታት ተላዒሎምን ተመሊሶምን። ኣዝዩ ድሙቕ ክትዕን ምርድዳእን ዝነበሮ ሰዓታት ነይሩ። ንኻልእ ግዜ፡ ዝነውሐ ሰዓታት ኪውሃቦ ብተኻፈልቲ ለበዋ ተመሓላሊፉ።
እቶም ተኻፈልቲ፡ ካብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ዝመጹ ኢዮም ነይሮም። ኪመጹ ተመዝጊቦም ዝነበሩ ካብ 20 ንላዕሊ ኢዮም ነይሮም። ገለ ሰባት፡ ኣብ መወዳእታ ሰዓት ከምዘይመጹ ኪሕብሩ ከለዉ፣ እቶም ካልኦት ግን ከይሓበሩ ኢዮም ተሪፎም። ብዝዀነ፡ እቶም ዝመጹ፡ ኣዝዮም ግዱሳት ብምንባሮም፣ እቲ ጕባኤ ብጽቡቕ ኢዩ ተኻዪዱ። ብሰሓቕን ምምስግጋንን ከኣ ጕባኤ ተዛዚሙ።
















