Till Tema modersmål

Tema modersmål - tigrinya

ባንዴራ ኤርትራ

Print

 

ሃገራዊ መዝሙር

Read more...
 

ኣስመራ

Print
ኣስመራ ርእሲ ከተማ ኤርትራ ኢያ። ካብ 700 ክሳብ 800 ዓመታት ዚግመት እዋን ኣትሒዙ ዝጸንሐት ኢያ። ቅድም ዓዲ ነበረት። ደሓር ግን ከተማ፡ ዀነት። ኣቐዲመን ካብ ዝተፈላለየ ቦታታት ብዝመጹ ተቐማጦ ዝተደኮና ኣርባዕተ ዓድታት ነበራ። ደሓር ግን፡ ኣንስቲ እተን ኣርባዕተ ዓድታት ብዘልዓላኦ ተበግሶ፡ ኣብ ሓደ ተጠርነፋ። እታ ዘቘማኣ ዓዲ ኣስመራ ተባህለት። ኣስመራ ሓንቲ ጽብቕቲ ከተማ ኢያ። ካብ 300 000 ንላዕሊ ተቐማጦ ኣለዉዋ። ገደናታታ ጽሩይን ጽቡቕን ኢዩ። ንኽትነብሮ ዜብህግ ጥዑም ኣየር ኣሎዋ።
Read more...
 

ምጽዋዕ

Print

ዕዳጋ፡ ጥዋለት፡ ውሽጢ ባጽዕ፡ ግራርን ዘጠቓለለት ከተማ ኢያ። ንነዊሕ እዋን ቀንዲ ወደብ ኤርትራ ኮይና ዝጸንሐት'ያ። ኣዝያ ተፈታዊት ሰሓቢት በጻሕቲ ኢያ። ጉርጉሱም ኣብ ጥቓ ምጽዋዕ ይርከብ። ካብ መስከረም ክሳዕ መጋቢት ዘሎ እዋን ምጡን ምቘት ኣሎዋ። ካብ ሚያዝያ ክሳዕ ነሓሰ ግን፡ ኣዝዩ ውዑይ ኢዩ። ምጽዋዕ፡ መፍረ ጨው፡ መፋረዪ ሽሪምፕን (ሓሰኻ ባሕሪ) ዓሳን ከምኡ'ውን ፋብሪካ ስሚንቶ ዘለዋ ከተማ ኢያ።

Read more...
 

ደቀምሓረ

Print

ካብ ኣስመራ 40 ኪ.ሜ. ብወገን ደቡባዊ ምብራቕ ትርከብ።

ሓደ እዋን ዓዲ ሕርሻን ኢንዱስትሪን ዝነበረት ኢያ።
ነቢት ደቀምሓረ ውሩይ ነይሩ።

ደቀምሓረ ጽርየታን ኣቀያይሳኣን ንእሽቶ ኣስመራ ተዘክር።
ሕጂ'ውን ቅልጡፍ ምዕባለ እተርኢ ዘላ ከተማ ኢያ።

Read more...
 

መንደፈራ (ዓዲ ወግሪ)

Print

መንደፈራ፡ ናይ ምምሕዳር ደቡብ ርእሲ ክትማ ኢያ።

ካብ ኣስመራ 55 ኪ.ሜ. ኣቢሉ ብወገን ደቡብ ትርከብ ።

ስማ መን ደፊሩዋ ማለት ኢዩ። ኣየራ ጥዑም ኢዩ።

Read more...
 

ሰንዓፈ

Print
ሰንዓፈ ሓንቲ ካብ ከተማታት ኤርትራ ኢያ። ኣብ ዞባ ደቡብ ትርከብ። ኣብዚ እዋን'ዚ ብዙሕ ታሪኻዊ ነገራት ዚርከባ ዝሎ ቦታ ኢያ። ንመጻኢ ዓባይ ከተማ ክትከውን ተስፋ ዘሎዋ ከተማ ኢያ።
Read more...
 

ዓሰብ

Print

ዓሰብ ዓባይ ወደብ ኤርትራ ኢያ። ኣብ ደንከል (ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ) ትርከብ። ንባብ እልመንደብ ኣዝያ ቀረባ ኢያ። ካብዚ ንሃገራት ኣዕራብ ቀረባ ኢዩ። ዓሰብ ካብ ኣስመራን ምጽዋዕን ርሕቕቲ ኢያ። ሕጂ ግን ብገማግም ቀይሕ ባሕሪ ኣቢሉ ዝተዘርገሐ ዘመናዊ ጽርግያ ተሰሪሑ ኣሎ። ብቐሊል ክትብጻሕ ትኽኣል ኰይና ኣላ።

Read more...
 
  • «
  •  Start 
  •  Prev 
  •  1 
  •  2 
  •  3 
  •  Next 
  •  End 
  • »
Page 1 of 3

Download

geezmahtemfont



Ladda ner fonten för att kunna läsa texten


keyboard
Online Keyboard


እዚ ንፈተነ ጥራይ ኢዩ። ኣብ ቀረባ ተኣሪሙ ኪቐርብ ኢዩ።

bildtema-ikon
Bildtema



tigrinya_abc
Alfabet