ሃገራዊ መዝሙር
ኤርትራ ኤርትራ ኤርትራ፡
በዓል ደማ እናልቀሰ ተደምሲሱ፡
መስዋእታ ብሓርነት ተደቢሱ።
መዋእል ነኺሳ ኣብ ዕላማ፡
ትእምርቲ ጽንዓት ኰይኑ ስማ፡
ኤርትራ'ዛ ሓበን ውጹዓት፡
ኣመስኪራ ሓቂ ከምትዕወት፡
ኤርትራ ኤርትራ (ክልተ ግዜ)
ኣብ ዓለም ጨቢጣቶ ግቡእ ክብራ።
ናጽነት ዘምጽኦ ልዑል ኒሕ፡
ንህንጻ ንልምዓት ክንሰርሕ፡
ስልጣኔ ከነልብሳ ግርማ
ሕድሪ'ሎና ግምጃ ክንስልማ፡
ኤርትራ ኤርትራ (ክልተ ግዜ)
ኣብ ዓለም ጨቢጣቶ ግቡእ ክብራ።






