እዚ መምህራን ምስ ተመሃሮኦም ወይ ወለዲ ምስ ደቆም ወይ ከኣ ተመሃሮ ኣብ ነንሕድሕዶም ኰይኖም ኪጻወቱሎም ዚኽእሉ ሓጸርቲ ግጥምታት ኢዩ። ከም ናይ ቀደም ኣዝግነኒ ዚብሃል ዝነበረ ጸወታ ክንጥቀመሉ ንኽእል። እዚ ተመሃሮ ዘረባ ምእንቲ ኪኽእሉ ተባሂሉ ዝተገብረ ኢዩ።
ከምዚ ዝኣመሰለ ጸወታ ኣብ ሽወደን'ውን ስለ ዘሎ፡ ተመሀሮ ንቋንቋኦም ምስ ቋንቋ ሽወደን እናኣወሃሀዱ ቋንቋኦም ከመሓይሹ ይኽእሉ ኢዮም ዚብል እምነት ኣሎ። ነዚ ኣብነት ብምግባር ቈልዑ ምስ መለዶም ወይ መምህራኖም ኰይኖም ካልኦት ዚገጥሙ (ማይ ቤት ዚወቕዑ) ቃላት ኪረኽቡ ይፍትኑ።
ንኣብነት፡-
ኣዝግነኒ
ብምንታይ
ብሸሓኒ
እንታይ ኣሎካ በዓል ሸሓኒ፧
መጽሓፍ ኣለቅሓኒ!
ወይ ከኣ
ንዒ በል
ንዒ!
ንስኻ በላዒ።
| 1. ጽፍዒት፡ ኣነ ፈታው ሳዕስዒት። 2. እንጌራ ፡ ኣይተትክኹ ሽጋራ። 3. ሽጋራ፡ ኣይተብዝሑ ቢራ። 4. ቢራ፡ ኣይትጻወቱ ብኻራ። 5. ካራ፡ እዛ ጓል ሓፊራ። 6. ለባም፡ እንተፈሪሕካስ ምህዳም! 7. ምህዳም፡ ንስኻ"ባ ጕዳም። 8. መገዲ፡ ኣደኻ ወሊዳ ወዲ። 9. ወዲ፡ ጥዑም መኣዲ። 10 መኣዲ፡ ኣኽብሩ ወለዲ። 11. ወለዲ፡ ምርሑና ንዓዲ። 12. በጊዕ፡ ኣነ ንፉዕ። 13. ዓይኒ፡ ሕማቕ ኣይትንገረኒ። 14. ኣፍንጫ፡ ምቐለኒ ቅጫ። 15. እዝኒ፡ ሰሚዐዮ ዝበልካኒ። 16. ገረብ፡ ብዙሕ ኣይትዛረብ። 17. ጺጽ፡ ለሚን መጺጽ። 18. ሕቶ፡ ኣፍካ ኣይትኽፈቶ። 19. ክፈቶ፡ ኳሕኲሕካ እቶ። 20. እቶ፡ ብዙሕ ዕላል ኣይትፍቶ። |
21. ሕቶ፡ እዛ ጓል ፈትያቶ። 22. ክሲ፡ ወዲእካና ብፈሲ። 23. ፈሲ፡ ኣይትፍተዉ ባእሲ። 24. ዕንባባ፡ ንበሎ መርሓባ። 25. መርሓባ፡ ገዛኻ ቀረባ። 26. ላም፡ የውርደልና ሰላም። 27. ሰላም፡ ኣይትውጽኡ ብጸላም። 28. ነገር፡ ንፍተዋ ንሃገር። 29. ቡን፡ ዓሻ ኣይትኹን። 30. ወርሒ፡ ጥዑም ጸብሒ ። 31. ጸብሒ፡ ሻሂንዶ ኣፍልሒ! 32. መረቕ፡ በጃኻ ኣይትሕረቕ! 33. ሕረቕ፡ ንዓ ንተዓረቕ። 34. በርቂ፡ ሕማቕ'ዩ ስርቂ። 35. ሓዊ፡ መን'ዩ ሓሳዊ፧ 36. ርሳስ፡ ንስኻ ሃሳስ! 37. ጋሻ፡ ንስኻ'ባ ዓሻ! 38. ኵሕሊ፡ ንብላዕ ሓምሊ። 39. ሓምሊ፡ ነደኺ ምሰሊ። 40. ምሰሊ |






