|
መላመዲ (ከክልተ ኣእጋሮም) ንበቡ |
በለስ በሲሉ። ብሱል በለስ ኣሎ። ሳባ ዘሊላ። ኣቦኻ ካባ ለቢሱ። ኣብ በለስ እሾኽ ኣሎ። ኣቦኺ ሰቢኹ። ሳባ ሰለል ክኢላ። ኣቦ በል።
|
|
ንበቡ በተነ ነገሰ ሰገነ ገነነ ነቐለ በቐቐ ለቐቐ ቀየሰ በየነ ዘለቐ ተኸለ |
ነገሰት በቒቓ። ተኽለ ገለ ቀቲሉ። በቲ ኣቢሉ ኣሎ። ናብ ታኒካ ኣትያ። ንግስቲ እኽሊ በቲና። ከልቢ ነኺሱኒ፤ ተናኻሲ! ኤልሳ ቀያሲት ኢያ፤ ትቕይስ ኣላ።
|
|
ንበቡ ዘበጠ ጠቐሰ ሰለጠ ጨለጠ ጠበሰ ነጠበ ገጨበ ጠበሐ ጠጠሐ ጠለለ ጠበቐ
|
እኽሊ ጥሒና። ጨሊጣቶ፤ ጨላጢት! ንጉሰ ስሒቡኒ፤ ዘቢጠዮ። ንግስቲ ገጭቦ ኢላትኒ። ኣብ ሕቶ ሰለስተ ነጥብታት ኣሎ። ስጋ ጠቢሱ፤ ግን ስቡሕ ኮይኑ።
|
|
መላመዲ (ሓ1ን ከ2ን ሰ3ን ኣእጋሮም ምስ ደ ጀ ጸ ጰ ) ንበቡ ጸደቐ ደቐቐ ቀየደ ጸየ ከበደ ሰደደ ቀደሰ ጸበቐ ጨደደ ቀበጸ ቀደደ ገለጸ |
ሰናይ ጸዪቑ፤ ሰናዪት ኣጸቢቓቶ። ንጉስ ቀዪዱ ሒዙና። ትእዛዙ ከቢዱና። ብዙሕ ገሊጹላ፤ ግዳ ቀቢጹ። ሳእኑ ተጨዲዱ፤ ክዳኑ ተቐዲዱ። እንታይ ኮይና፡ ትበኪ ደኒና!
|
|
ንበቡ መለሰ ሰለመ መለኸ ወደሰ ወደቐ ነቀወ ለቐመ መቐለ ቀለወ ሰወደ ገጠመ ሰጠመ ጨነወ ለመደ ለመጸ መወጸ ደወለ ወለደ ጸመደ ደመቐ ወሰደ ጸመወ |
በይና ኮይና፡ ጸሚዉዋ። ባዕሉ መጺኡ ወሲዱዋ። ደርሆ ነቂዉ፤ ወጊሑ! ምንባብ ለሚዱ፤ ደብዳበ ስደደሉ! ምድርቤት ለሚጹ፤ ንዕኡ ረጊጹ፤ ቅጫ መቒላ፤ ንኹልና ዓዲላ።
|
|
መላመዲ (ረ ፈ) ንበቡ ፈረደ ደፈረ ረፈደ ደረፈ ጸረፈ ወረደ ፈጠረ ደመረ መረጸ ጨረመ ጨደረ ጸደፈ ፈለጸ ፈለጠ ጸረገ ረገጸ ፈገረ ረገፈ ጸወረ ፈጸመ
|
ዕንጸይቲ ፈሊጹ፤ ሓዊ ኣንዲዱ። ቅኑዕ ይፈርድ፤ ሕሱም ይሓርድ። ብዕራይ ሓሪሱዎ፤ ካህን ቀዲሱዎ። ዓው ኢሉ ጨዲሩ። ተማሂራ ብዙሕ ፈሊጣ። ዝናብ በርቲዑ፤ ኣእካል ረጊፉ። ላዕሊ ደዪቡ፤ ካብኡ ጸዲፉ። |






