እዚ ሓረስታይ ኢዩ። ኣንጊሁ ኢዩ ተሲኡ። ናብ ማሕረስ ይወፍር ኣሎ። ናውቲ ማሕረስ ተሰኪሙ ኣሎ። ኣብዑሩ ኰብኲቡ ናብ ግራቱ ይወፍር ኣሎ።
|
|
እዚ ሓረስታይ ኢዩ። ኣንጊሁ ኢዩ ተሲኡ። ናብ ማሕረስ ይወፍር ኣሎ። ናውቲ ማሕረስ ተሰኪሙ ኣሎ። ኣብዑሩ ኰብኲቡ ናብ ግራቱ ይወፍር ኣሎ። |
|
|
ንሱን ክልተ ኣብዑርን ሓቢሮም ይሓርሱ ኣለዉ። ንሱ ዕርፊ ይጸቅጥ። ኣብዑር ነዊት ይስሕቡ። ኣርዑት ኣብ ክሳዶም ኣሎ። |
|
|
እዚ ግራት ስገም ኢዩ። ጽቡቕ ኢዩ በቚሉ። እቲ ስገም ሰዊቱ ኢዩ። እኽሉ ፍሩይ ይመስል። |
|
|
እዚ'ውን ግራት ስገም'ዩ። ሕጅስ ነቒጹ ኢዩ። ኣብ ቀረባ ኪዕጸድ'ዩ። ተዓጺዱ ቅሚጦታት ይኸውን። |
|
|
ቅሚጦታት ኢዮም። ኣብዚ ቀረባ ናብ ዓውዲ ኪወድቁ ኢዮም። ሽዑ መኼዳ ኪግበረሎም ኢዩ። |
|
|
እዋን ቀውዒ ኢዩ። መጀመርታ ክፋል መኼዳ ይካየድ ኣሎ። እቶም ከብቲ እናረገጹ፡ ነቲ እኽልን ሓሰርን ኪፈልዩዎ ኢዮም። |
|
|
ካልእ ዓውዲ ኢዩ። ኪውድኡ ቀሪቦም'ዮም። ሓሰር ተግፊፉ፡ ቡቕቡቕን እኽልን ጥራይ'ዩ ተሪፉ። ሓሙሽተ ኣብዑር ኣለዉ። ብየማናይ ኢድ ዘሎ፡ ቀላሳይ፤ ብጸጋማይ ኢድ ድማ፡ ኣላይ ወሰን ይብሃሉ |
|
|
ካልእ መኼዳ ኢዩ። ሓሰር ድሮ ተፈልዩ ኢዩ። ቈልዓ ነቦኡ ይሕግዝ ኣሎ፡ ደድሕሪ እቶም ኣብዑር ይዘውር ኣሎ። |
|
|
ሕጅስ ኣብ ምዝራው በጺሖም ኢዮም። እዚ ሓረስታይ የዝርው ኣሎ። እኽልን ቡቕቡቕን ብንፋስ ይፍለ ኣሎ። |
|
|
ሕጂ'ሞ፡ ስራሕ መኼዳ ተወዲኡ ኢዩ። ኣብ ምጭላው በጺሖም'ዮም። እቲ ሰብኣይ ይጫሉ ኣሎ። ጕርዲ ካብ ምህርቲ ይፈሊ ኣሎ። |















