Till Tema modersmål

Tema modersmål - tigrinya

ሕንቅል ሕንቅሊተይ

Print

እዚ ሕንቅል ሕንቅሊተይ ዝጸንሐ ያታ ኢዩ። ንሕና ዓበይቲ ብነኣሽቱና ተጻዊትናሉ። ናብ ደቅና ከነሕልፎ ከኣ ሓላፍነትና ኢዩ። ብዙሕ ዝተረፈ ኣሎ። ብዝተኻእለና መጠን በብእዋኑ ከነስዕበልኩም ክንፍትን ኢና።

 

- ሕንቅል ሕንቅሊተይ
- ሰሰናቢተይ
- ንእሽቶ ጽልቓ ኣብ ጎቦ ጠቢቓ ፍለጠለይ።
- ኣይፈልጣን'የ።
- በል ኣድርረኒ፡
- ብምንታይ፧
- ብገዓት ጠስሚ
- ተደረር።
- እዝኒ ኢያ።
1. ዓይኒ ከለዋ ዘይትርኢ።
2. እዝኒ ከለዋ ዘይትሰምዕ።
3. ክይድ ውዒላ ገዛ ዘይትኣቱ።
4. ብቐትሪ ትቕንጠጥ ብለይቲ ትስለም።
5. ኣቦይ ዝሃቡኒ መንበር፡ ወዲቓ ዘይትስበር፡ ሞይታ ዘይትቕበር።
6. ንግሆ በርባዕተ፡ ቀትሪ ብኽልተ፡ ምሸት ብሰለስተ ዚኸይድ።
7. ንዅሉ እትኸድን ገረብ።
8. ኣብ ውሽጢ በዓቲ ለይለይ ትብል።
9. ዝሃብካያ እትበልዕ፡ ማይ እንተስተኻያ እትመውት።
10. ካብ 12 ኣዋርሕ እታ ዝነውሐት።
11. ምሳይ ኪኸይድ ዚውዕል ግን ምሳይ ገዛ ዘይኣቱ።
12. ዝያዳ እንተ ወሰድካላ ዝያዳ እትዓቢ።
13. ደድሕሪ እንስሳ ዚኸይድ።
14. ብዙሕ ግዜ ዚወድቕ ግን ዘይትንስእ።
15. ዝያዳ ትህባ ዝያዳ ትጠሚ፡ በሊዓ ምስ ወደአት ከኣ ትመውት።
16. መግቢ ዝመልአት ንእስቶ ገዛ፡ ረቂቕ መንደቓ፡ ናሕሲ ይኹን ማዕጾ ዘይብላ።
17. ክሳድ ዘሎዋ ግን ርእሲ ዘይብላ።
18. ንዅሉ ዚርእያ ነንሕድሕደን ግን ዘይረኣኣያ።
19. ምእንቲ ክትሪኦ ክትዕመት ዘሎካ።
20. ኣስናን ዘሎዎ ግን ኪነክስ ወይ ኪሕይኽ ዘይክእል።
21. ዝጠወኻ ኣንተጠወኻ ንቕድሚት ጥራይ ዚርኢ።
22. ትሕቲ ኣፍንጫ ዚፈስስ ግን ነፍንጫ ዜርክባ።
23. ስዲ ከይተበሃልካ መልሓስካ ከተውጽኣሉ እትኽእል።
24. ኵሉ ዚሰምዕ ግን ዋላ ሓንቲ ዘይብል።
25. ከተዕርፍ ከለኻ ዚሰርሕ፡ ክትሰርሕ ከለካ ዜዕርፍ።

መልሲ
1.መርፍእ
2. ኩባያ፡ ድስቲ ወዘተ...
3.ሰዓት
4. ሰማይ
5. ስም
6.ሰብ
7. ጡጥ
8. መልሓስ
9. ሓዊ
10. መስከረም (5 ፊደላት ኣሎዋ)
11. ጽላሎት
12. ጕድጓድ
13. ጭራኦም
14. ዝናብ
15. ሓዊ
16. እንቋቝሖ
17. ጥርሙዝ
18. ኣዒንቲ
19. ሕልሚ
20. መጋዝ
21. ኣፍንጫ
22. ፈሲ
23. ሓኪም
24. እዝኒ
25. ዓራት

 


 

Download

geezmahtemfont



Ladda ner fonten för att kunna läsa texten


keyboard
Online Keyboard


እዚ ንፈተነ ጥራይ ኢዩ። ኣብ ቀረባ ተኣሪሙ ኪቐርብ ኢዩ።

bildtema-ikon
Bildtema



tigrinya_abc
Alfabet