መርሓባ!
መርበብና፡ መርበብ ቋንቋ ኣደ ትግርኛ፡ ገለ ገለ ጸገማት ኣጓኒፉዎ ጸነሑ ኢዩ። እቲ መዋሊ ትካል ኣብ ምቅይያራት ኢዩ ጸኒሑ። ኣብ ርእሲኡ’ውን እቲ መስርሕ ፕሮግራም ብዓቢኡ ስለ ዝተቐየረ፡ ናብ ኣሰራርሓና ጸገም ገይሩልና ጸኒሑ ኢዩ። ሕጂ ግን፡ በዚ ጀሚርናዮ ዘለና መንገዲ ክቐንዓና ተስፋ ንገብር። በቲ ዝሓለፈ ይቕሬታ እናሓተትና፡ ናብ መርበብና እንቋዕ ብደሓን ኣቶኹም ንብል። መርበብና ምእንቲ ኬመሓይሽን ሃብታም ትሕዝቶ ኪህልዎን ድማ ሓገዛትኩም ኣይፈለየና ንብል።
ናብ መርበብ ቋንቋ-ኣደ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም!
እዚ መርበብ እዚ፡ ክሳዕ ሕጂ (ጥቅምቲ 2009) ብ35 ቋንቋታት ይዳሎ ኣሎ። ትግርኛ ከኣ ሓንቲ ካብኣተን ኢያ። እዚ ብመንግስታዊ ቍጽጽር ትምህርቲ (Skolverket) ይምወል። ብመምህራን ቋንቋ ኣደን ካልኦት ግዱሳትን ከኣ ይዳሎ።
እቶም ብሓገዝ ቋንቋ-ኣደ፡ ትምህርቲ ቋንቋ-ኣደን ብደገፍ ትምህርትን እትግደሱ፣ ነዚ ቀሪቡልኩም ዘሎ እኩብ ሓበረታታትን ተኽእሎ ክትዕን ክትፈትዉዎ ንምነ። ብንጡፋት መምህራን ቋንቋ-ኣደ ዚምርሑ ሓበረታታትን መሳርሕታትን ዝሓዘ ድማ’ዩ። ባህግና ጽቡቕ ስነ-ትምህርታዊ ትሕዝቶን ናይ ክትዕ ኣጋጣምን ንምፍጣር’ዩ።
ብዘይካ እቶም ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዚቕመጡ ካብ 6 ሚልዮን ንላዕሊ ዚዀኑ ተዛረብታ፣ በማእታት ኣሽሓት ዚቝጸሩ ኣብ ወጻኢ ዚነብሩ፡ ምስ’ናይ እቶም ቤተ እስራኤል ዚብሃሉ ኣብ እስራኤል ዚነብሩ ህዝቢ በዛ ቋንቋ እዚኣ ይዛረቡ።
ትግርኛ ኣብ ኤርትራ እታ ዝዓበየት ቋንቋ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ድማ ብብዝሒ ተዛረብታ ካብ ኦሮሞን ኣምሓርኛን ቀጺላ እታ ሳልሳይ ቦታ እትሕዝ ዓባይ ቋንቋ’ያ።








